JW subtitle extractor

ሞት የሱስ ዘክር

Video Other languages Share text Share link Show times

ሰላም ዝሰፈና፡ . . .
መከራ ዘይብላ፡ . . .
ንዅሉ ዚኸውን ምግቢ ዚመልኣ፡ . . .
ምሉእ ጥዕና ሃልዩካ እትነብረላ ዓለም እሞ ብኣእምሮኻ ስኣል።
እዚ ባህ ዜብል መጻኢ ኺርከብ ዚከኣል ግና ከመይ ኢሉ እዩ፧
ሳላ እቲ የሱስ ምእንታና ዝገበሮ ነገር እዩ።
ናብ ምድሪ ብዕላማ እዩ መጺኡ።
ህይወቱ በጃ እቶም ዜፍቅሮም ሂቡ እዩ።
ኣብታ ድሮ ሞቱ ዝነበረት ምሸት፡
ነቲ መስዋእቱ ኽንዝክሮ ኣዚዙና እዩ።
“እዚ ንመዘከርታይ ኪኸውን ብቐጻሊ ግበርዎ” ኢሉ እዩ።
ኣብታ ሞቱ ዚብዓለላ ምሸት፡
ኣብ መላእ ዓለም ዘለዉ ሰባት ንዝኽሪ የሱስ ኪእከቡ እዮም።
ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንዓኻን ንስድራ ቤትካን ኣብዚ በዓል ዝኽሪ ሞት የሱስ ክትእከቡ ብኽብሪ ይዕድሙኻ።
ኣብቲ ኣኼባ እቲ፡ መስዋእቱ ስለምንታይ ኣዝዩ ኸም ዜገድስን
እቲ ዘተስፈዎ ተስፋታት ንዓኻ ብኸመይ ከም ዚጠቕመካን ክትፈልጥ ኢኻ።
ዚቐርበካ ቦታ ንምርካብ፡ በጃኻ ነቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዜቕርቡልካ ዕድመ ተቐበሎ
ወይ በቲ ኣብ jw.org ዚርከብ መድለዪ ኣኼባታት ጉባኤ ተጠቐም።